ፖስቲቫ ጉሩፐን ቬስት Positiva Gruppen Väst ለኛ ከኤች ኣይ ቪ የምንኖሮዉ፡ ለዘመድ ቤተሰባችንና በሌላ መንገድ ከኤች ኣይ ቪ ጋር ግንኙነት ላለዉ ሰዉ የሚሠራ ድርጅት ነዉ።

እኛ ለሁሉ ለበኤች ኣይ ቪ የተነኩ፡ ከዜግነት፡ የስደታኛ ሁኔታ፡ ጾታና የጾታ ዝንባሌ ነጻ በሆነ መንገድ ለሁሉ እናካትታለን።

ለመብቶችና ደጋፍ እንሰራለን። እዚህ በመምጣት ከሌሎች በኤች ኣይ ቪ የተነኩ መወያየት ትችላለህ። ከዚህ ኣልፈን ማስታወቅያዎችና ልዩ ትምህርቶች ለመስጠትም እንሰራለን።
እኛ፡ በስዊድን ኣገር፡ ከኤች ኣይ ቪ ጋር መኖር እንዴት እንደሆነ፡ እዉቀትና ተመኩሮ ኣለን።

ከኛ ለመገናኘት በደህና ምጡ።

031–14 35 30
kontoret@pgvast.se
Nordhemsgatan 50, 413 06 Göteborg


መሰረታዊ ሓቂታት

ኤች.ኣይ.ቪ እንታይ እዩ?

ኤች.ኣይ.ቪ ክሕከም ዝኽእል ቫይረስ እዩ። ኣብ ስዊድን “ሁማንት ኢሙንብሪስትቫይረስ”፣ ብ እንግሊዘኛ ቫይረስ ናይ ሰብ ሕማም ምክልኻል ሕፅረት ተባሂሉ ይፅዋዕ። ኤች.ኣይ.ቪ ዝብል ሽም ካብዚ እዩ መፅዩ።

ኤች.ኣይ.ቪ እንድሕር ዘይተፈሊጡን ዘይተሓኪሙን ንስርዓተ ተኸላኻሊ ሕማም ይሰብሮ።  ኤስድ ማለት ፅላል ናይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜ ዝሕዙኻ ሕማማት ማለት እዩ። ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ሕክምና ነዚ ይከላኸል፤ ኤድስ ከዓ ኣብ ከዚ ኩነታት ፈፂሙ ኣይምዕብልን። ስለዚ፣ ኤች.ኣይ.ቪን ኤድስን ሓደ ዓይነት ኣይኮኑን።

ውፅኢታዊ ናይ ሕክምና ሜላታት ኣለው።

ስሩዕ ክትትል ትገብርን መድሓኒትኩም ብኣግባቡ ትወስዱን እንተኮይንኹም፣ ኣብ ሰብነትኩም ዝርከብ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስን ውሑድን ክዕቀን ዘይኽእልን ይኸውን። እቲ ሕክምና፣ ኤች.ኣይ.ቪ ኣብ ሰብነትና ከይራባሕ ዝከላኸሉ ሕውስዋስ መድሓኒታት ዘጠቃለለ እዩ። እቶም ወሰንቲ ምልክታትኩም ፅቡቅ ክኾን፣ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ብስሩዕ ክሰርሕን ኤች.ኣይ.ቪ ናብ ካልኦት ከምዘይመሓላለፍን የረጋግፅ።

ኣብ ስዊደን ዝነብር ኤች.ኣይ.ቪ ዘለዎ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብነፃ ናይ ምሕካም መሰል ኣለዎ። እቲ ሕክምና ከባቢ 59% ውጽኢታዊ ኮይኑ እዩ፤ ፅቡቅ ሕክምና ተባሂሉ ከዓ ይፅዋዕ።

ውፅኢታዊ ሕክምና ማለት 100% ካብ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምክልኻል ማለት እዩ።  እቲ መጽናዕቲ ነቲ ናይ ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ U=U፣ ማለት እውን ዘይፍለ ማዕረ እዩ ምስ ዘይመሓላለፍ ዝብል ዝሕግዝ እዩ። እዚ ማለት ናይ ምምሕልላፍ ሓደጋ 0 ማለት እዩ።

ከመይ ይሰርሕ - ሰውነትን መድሓኒታትን 

ኤች.ኣይ.ቪ ብባዕሉ ክራባሕ ኣይኽእልን። ኣብክንዳኡ፣ ናብ ሂወት ዘለዎም ዋህዮታት ብምእታው ናይ ምርባሕ ስራሕቶም ይጥቀም። እዞም ዋህዮታት ሲዲ4 ወይ ከዓ ቲ ሓገዝቲ ዋህዮታት ተባሂሎም ዝፅወዑ ኮይኖም፣ ኣካል ናይቲ ሕማም ተኸላኻሊ ስርዓት እዮም። እቲ ዋህዮ ከም ፋብሪካ፣ ሓደሽቲ ቅዳሓት ናይቲ ቫይረስ ክሰርሕ ይጅምር ክትብሉ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ ዋህዮ ስራሑ ምስ ሰርሐ ይመውት። እዚ ማለት እቲ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ይዳኸም እሞ እቲ ሰውነት ባዕሉ ንኽከላኸል ይፅገም፤ እዚ ዘይተሓከመ ኤች.ኣይ.ቪ ቀታሉ ይገብሮ።

ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መድሓኒት ዝገብሮ ነገር፣ ነዚ ተግባራት ደው ንምባል ብዝተፈላለየ መንገዲ ጣልቃ ይኣቱ። እቲ ሕክምና ዝበለፀ ውጽኢት ንምምፃእ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ምሕዋስ ዘጠቃልል እዩ። ሕክምና ኣንፃር ቫይረስ፣ ኤች.ኣይ.ቪ ሕማም ዝከላኸል ስርዓት ንኸይጎድእን ንኸይራባሕን ይከላኸል። ዕላማ ናይዚ ሕክምና ዘይዕቀን ናይ ቫይረስ መጠን እዩ።

ናይ ቫይረስ ፅዕነት፣ እቲ መልከፍቲ ሕክምና ክንደየናይ ዝኣክል ንቁሕ እዩ ዝብል ብቀሊሉ የርኢ።  ኣብ ውሽጢ ሚሊ ሊትር ደም ውሑድ ናይ ቫይረስ ቅዳሕ እንተልዩ እቲ ኤች.ኣይ.ቪ ከምዝነከየን ከምዘይራባሕን የርኢ።  ቁጽሪ ሲዲ4 ንኹነታት ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዝዕቅን እዩ። መድሓኒት ዝውሰደሉ ግዜ ዝውስን ስለዝኾነ፣ ኣቀዲምካ ምክትታል ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ሎሚ፣ እቲ ሕክምና ብዝተኽኣለ መጠን ቅድም ኢሉ ጀሚሩ ኣሎ።

ዝለመድክምዎ ሕክምና ናይ ምውሳድ መሰል ኣለኩም። ኣብዚ ሀዚ ግዜ፣ እቶም መድሓኒታት ዘስዕብዎ ጎናዊ ጉድኣት የለን። እንተኾነ ግን ሰውነት ብኸመይ ይፅሎ ዝብል ግን ከከም ሰቡ ይፈላለ እዩ።  ሓድሓደ ግዜ ንዓኹም ዝስማዕማዕ መድሓኒት ንምርካብ ዝተወሰነ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ብሳዕባ ሰዓቤኑን  ሓፈሻዊ ሕክምናኹምን ሻቅሎት እንተሃልይኩም ንዶክተርኩም ተዛረብዎ። ክትረኽቡና እውን ትኽእሉ ኢኹም።  

ኤች.ኣይ.ቪ ብኸመይ ይመሓላለፍ?

ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዝነብሩን ግቡእ ሕክምና ዝወስዱን ሰባት እቲ ቫይረስ ናብ ካሊእ ሰብ ከመሓላልፍዎ ኣይኽእሉን። ኮይኑ ግን፣ ኤች.ኣይ.ቪ እንድሕር ዘይተሓኪሙ፣ ብልፋጭ ኣቢሉ ናብ ሰውነት ብምውታው ምስ ሰራውር ደም ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ። ቆርበት ይከላኸል እዩ። ኤች.ኣይ.ቪ ብኣየር፣ ብገፅ፣ ብንትፍታፍን ብጣንጡን ኣይመሓላለፍን። ካብ ሰውነት ወፃኢ ክነብር ኣይኽእልን።

ኤች.ኣይ.ቪ ብሰለስተ መንገዲ ጥራሕ ይመሓላለፍ

1) ዘይውሑስ ፆታዊ ርክብ
2) ደም
3) ጥንሲ፣ ወሊድን ጡብ ምጥባውን
 

እቲ ብሕታዊ መፍለጢ መንገዲ ምርመራ እዩ።

ዝኾነ ሰብ ኤች.ኣይ.ቪ ክተሓዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንዝተወሰኑ ሰባት ወይ ከዓ ጉጅለታት ጥራሕ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን። ኤች.ኣይ.ቪ ብደገ ዝረአ ኣይኮነን፤ መብዛሕቲኡ ግዜ ፍሉጥ ምልክታት የብሉን። ዝፍለጠሉ ብሕታዊ መንገዲ ምርመራ ጥራሕ እዩ። ኤች.ኣይ.ቪ ክመሓላለፈኩም ኣብ ዝኽእለሉ ኩነታት እንተሃሊኹም ወይ ከዓ ኩነታት ኤች.ኣይ.ቪቪኹም ብቀሊሉ ዘይትፈልጡ እንተኮይንኹም፣ ኩሉ ግዜ መርመራ ኤች.ኣይ.ቪ ምግባር ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።

ኩሉ ሰብ ኤች.ኣይ.ቪ ናይ ምምርማር መሰል ኣለዎ። ንኣብነት፤ ኣብ ማእኸላት ጥዕና፣ ክሊኒካት መንእሰያት ወይ ስፔሻሊስት ክሊኒካት፣ ከም ክሊኒካት ቆርበትን ጾታን ወይ ከዓ ክሊኒካት ረኽሲ ብዝግበር መርመራታት ኤች.ኣይ.ቪ ወይ ከዓ ቅልጡፍ መልሲ ዝህቡ ኣብ ዝተፈላለዩ መፈተሺ ነቑጣታት ወይ ብዘይመንግስታውያን ትካላት ዝመሓደሩ ክሊኒካት ብዝግበር መርመራታት ክትምርመሩ ትኽእሉ ኢኹም። ነጻ ኮይኑ ኣብ እዋን መርመራ ስሞም ከይተገልፁ ክፀንሑ ይኽእሉ እዮም። ንምንታይ ምርመራ ትገብሩ ከምዘለኹም ምኽንያት ክተቅርቡ የብልኹምን።

ናይ ሕክምና መሰል

ነፃ ሕክምና
ብነፃ ናይ ምሕካም መሰል ኣለኩም። ምስ ናይ ኤች.ኣይ.ቪኹም መልከፍቲ ብዝምልከት ናይ ሕክምና ቆፀሮታት፣ ምርመራን መድሓኒትን ካብ ክፍሊት ነፃ እዮም። ዋላ እውን ስደተኛ ወይ ከዓ ሰነድ ዘይብልኩም እንተኾንኩም፣ እዚ ንኹሉ ኣብ ስዊድን ዝነብር ዝሰርሕ እዩ። ንኻልኦን ሕክንናን ናይ ስኒ ቆፀሮን ከምቲ ንቡር ክትከፍሉ ኣለኩም።

ተሳትፎ
ኣብ ኩሉ ውሳነታት ብዛዕባ ሕክምናኹም ምስ ሓኪምኩምን ሰብ ሞያ ክንክን ጥዕናን ብምምኽኻር ክትሳተፉ መሰል ኣለኩም። እዚ ማለት እቲ ሕክምና ዘይችፍወኩም እንተሃልዩ ክትቅይርዎ ከም’ውን ምስቲ ሕጉስ ዝገብረኩም ሕክምና ክትፀንሑ/ክትቅፅልሉ መሰል ኣለኩም ማለት እዩ። ትምኒትኩምን ድልየትኩምን ዘማእኸለ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሕክምናኹም ዝከታተል ዶክተር ናይ ምቅያር መሰል ኣለኩም። ኣግባብ ኣተሓሕዛኹም ዘይግቡእ ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ጥርዓን ክተቅርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ሕጊ ስነምግባርሓኪምኩም ክትክተልዎ ዘለኩም ስርዓተ-ምሕደራ ክህበኩም እዩ። ብዛዕባ እዚ ናይ ምምይያጥን ናይ ውልቀ ገምጋም ናይ ምሃብን መሰል ኣለኩም። ናይ ዶክተርኩም ውሳነ ብምቅዋም ናብ ናይ ዞባኹም ናይ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዶክተር ክትጠርዑ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ስነ-ኣእምሮን መራበሒ ኣካልን ጥዕና
ናይ ስነ-ኣእምሮ ማሕበራዊ ደገፍ ናይ ምርካብን ምስ መን ክትዛረቡ ከም እትደልዩ ናይ ምምራጽን መሰልን ኣለኩም። ኣብ ዙርያ ፆታዊ ርክብ ሓገዝ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ኩሎም ቦታታት መማኸሪ ዘይክህልዎም ይኽእል እዩ፤ ግን መማኸሪ ናይ ምርካብ መሰል ኣለኩም። ንዶክተርኩም ተዛረብዎ።

ምሽጥራውነትን ኣታሕዛ መዝገብን
ናይ ጥዕና ክንክን ሰብ ሞያን ተርጎምትን ተኣመንትን ምሽጥራዊን ናይ ምዃን ግቡእ ኣለዎም። እዚ ማለት ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ከም እትነብሩን ክትመፁ ከለኹም እንታይ ከም እተዛረብኩምን ዋላ ሓደ ሰብ ክዛረብ ኣይኽእል።

ዝተዋደደ ናይ መዝገብ ኣተሓሕዛ ማለት ኩሎም እቶም ዝጎብነኽምዎም ኣቅረብቲ ክንክን ጥዕና እንታይ ከምዝወሰድኩም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ። እቲ ዕላማ ሕክምና ንምምችቻውን ዝሓሸ ክንክን ንምሃብን እዩ። ንኣብነት፦ ዝተፈላለዩ መድሓኒታት ከመይ ከምዝዋሃዱ ምፍላጥ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል። እዙይ እንድሕር ዘይደሊኹም ነዚ ሓበሬታ ናይ ምንፃግ መሰል ኣለኩም። መዝገብኩም ብኻልኦት ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ስለዘይንበብ ክትዘዋወሩ ተኽእሎ እንተሃልዩ ክትነግርዎም ግቡእኹም እዩ። ካልእ ዓይነት ክንክን ጥዕና ትረኽቡ እንተሃሊኹም ንሕክምና ኤች.ኣይ.ቪ ንሓኪምኩም ክትነግርዎ ትደልዩ ትኾኑ። ናይ ባዕልኹም ሕክምና መዝገብ ናይ ምንባብ መሰል ኣለኩም።

ማዕረ ኣተሓሕዛ
ምስ ኤሽኣይቪ ትነብሩ ስለ ዘለኹም እቲ ዘድልየኩም ክንክን ካብ ምርካብ ክትኽልከሉ ኣይትኽእሉን። እዚ ነቶም ብስርዓት ማሕበራዊ ድሕነት ዝኽፈሉ ናይ ውልቀ ወሃብቲ ክንክን ጥዕና እውን ይምልከት’ዩ።

ኤች.ኣይ.ቪ ስለዘለኩም፣ ኤች.ኣይ.ቪ ምርመራ ክትገብሩ ስለ ዘይትደልዩ ወይ ከዓ ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪኹም ኩነታት ንዘስርሐኩም ስለዘይተናገርኩም ካብ ስራሕ ክትባረሩ ኣይትኽእሉን። ካብ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ ጉጅለ ክትባረሩ ወይ ከዓ እንደገና ክትምደቡ ኣይትኽእሉን።

ፍልፍል፦ ኤችኣይቪ-ስቨሪጅ

ሕግን ስርዓተ ሕግን

ሕጊ ኣድልዎ ስንክልና ንኹሎም ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ዝነብሩ ሰባት ይሰርሕ እዩ። ካልኦት መሰላት ድማ ንኣብነት ብስሚትስኪድስላገን (ሕጊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት)ን ስጁክቫርድስላገን (ሕጊ ክንክን ጥዕና)ን ይምራሕ። ብዛዕባ ዝኾነ ሕቶ ይኹን ሕጋዊ ምኽሪ ክንሕግዘኩም ንኽእል ኢና።

መዓዝ እዩ ክትነግሩኒ ዘድልየኩም?

ናይ ምምሕልላፍ ሓደጋ ኣብ ዘይህልወሉ ግዜ ብዛዕባ ኤች.ኣይ.ቪኹም ክትዛረቡ የብልኹምን። ንኣብነት፦ ንዘስርሐኩም። ኣብ ውጽኢታዊ ዝኾነ ሕክምና እንተሃሊኹም፣ ንመፃምድኹም ምስ ኤች.ኣይ.ቪ ከም እትነብሩ ምንጋር ኣየድልየኩምን። ገና ዘይዕቀን መጠን ናይ ቫይረስ ዘለዎም ሰባት፣ ቅድሚ ፆታዊ ርክብ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ግቡእ ይቀሪ። ኣብ ከም መጥባሕቲን ስንን ዝበሉ ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎ ናይ ሕክምና ኣገባባት ናይ ደም ረኽሲ ከምዘለኩም ክትነግሩና ኣለኩም። ሕክምናኹን ጽቡቅ ይሰርሕ እንተ ሃልዩ፣ ብዛዕባ ቀለልቲ ፈተነታት ከምኡ እውን ናይ ደምን መርፍእን ምንጋር ኣየድልየኩምን። እዚ በቲ ሓኪምኩም ዝሃበኩም ስነ-ስርዓት እዩ ዝመሓደር እዩ።